Home
ርእይቶ PDF Print E-mail
Written by ኤዲቶርያል ቦርድ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ   
Wednesday, 25 April 2012 08:35

2012-04-27

ርእይቶ

ትካላት ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግልኡን ብጽቡቕ ስርሖም ምእንቲ ከካይዱ ገለገለ ዕንቅፋታት ክዀኑ ዝኽእሉ ዛዕባታት ኣልዒልና ርእይቶና ብትሕትና ንቕርብ። ብርእይቶና ኣባልነት ኣቶ ተኽላይ ኣብርሃ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብዘየማትእን ብዝቐልጠፈን ግረጋገጽ ይግባእ።

ሃገራዊ ባይቶ/መጅልስ ኣልወጠኒ ትኽክለንያ ትርጉሙ ብእንግሊዝንያ ”National Assembly” እምበር ”National Council” ኣይኰነን። ሰነዳትን ውሳነታትን ባይቶ ክኽበሩ ይግባእ። ብተወሳኺ ቅርጻ ባይቶ ”ጸሓፊ ፈጻሚ ሽማግለ” እዩ ዝበል እምበር ”ዋና ጸሓፊ” ኣይበለን። ደረጃ ዋና ጸሓፊ ምስ ኣቦ መንበር ተመዛዛኒ እዩ። ኣወዳድባ ሃገራዊ ባይቶ ጽላላዊ ኣይኰነ ግንባር ኣይኰነ፣ እንታይ ደኣ ንኹሎም ሓይልታት ተቛውሞ ዝጠርነፈ ልፍንቲ እዩ። ብዘይ ኣገባብ ሃገራዊ ባይቶ ከይንኣኣስ ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ።

 

 

ኣብ ኢንተርነት ቅርጻን ስራሕን ባይቶ ምስ ቅርጻን ስራሕን ኮሚሽን ክነጻጸር ተዓዚብና፣ ርእይቶና ክምዚ ዝስዕብ እዩ። ቀዳማይ ስራሕ ኮሚሽን ምስንዳእ ጉባኤ ነበረ፣ ቀንዲ ስራሕ ሃገራዊ ባይቶ ግን ንስርዓት ህግደፍ ብዝቐልጠፈ እዋን ምውዳቕ እዩ። ቅርጻ ኮሚሽን ከም እዚ ዝስዕብ ነበረ፥ 1) ክሚሽን ኣብ ዓመት ክልተ ሳብ፡ ኣብ ሰስዱስት ኣዋርሕ ይራኽበ፡ 2) ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ኣብ ኣኣርባዕተ ውርሒ ይእከብ፡ 3) ኣቦ መንበርን ምክትሉን ጸሓፍን መዓልታዊ ስራሕ ኮሚሽን የካይዱ። ብተወሳኺ ኮሚሽን ኣርባዕተ ኮሚቲታት ነበርዎ፥ ንስቶም ድማ ኮሚቲታት ፖለቲካን ውደባን ምርጻን ግምጃን ዜናን ነበሩ። ኣባላት ኮሚሽን ብግላዊ ምርጻኦም ኣብ ዝተጠቕሱ ኮሚቲታት ተመቕሉ። ዝተጠቕሱ ኮሚቲታት ኣርባዕተ ኣቦ መንበራት ነበርዎ። ኣቦ መንበራት ኣርባዕተ ኮሚቲታት ጸብጻሞም ናብ ኣቦ መንበር የቕርቡ. ንኡስ ኣካላት ኣርባዕተ ኮሚቲታት ድማ ጸብጻባቶም ንእርባዕተ ኣቦ መንበራት ይቕርቡ። ኮሚሽን ኣብ ዞባታት ዓለም እውን ተወደበ፡ ኣካየድቲ ኸኣ ተወሰነሉ። ብግዲኦም ድማ ኣባላት ኮሚሽን ኣብ ኣየሃገሩ ኣብ ትሕቲ ኮሚቲታት ዞባታት ተወደቡ ንሳቶም ድማ ብግዲኦም ካብ ህዝቢ ንኡሳን ኮሚቲታት ኣቕወሙ። ቅዋሚ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝነበረ ስራሕ ኮሚሽን ካብኡ ይብገስ ጸብጻባት ንኡሳን ኣካላት ድማ ኣብኡ ይውሕዙ ነበሩ። 

 

ኣብ ኣሰራርዓ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግልኡን ቆላሕታ ክንገብር ከሎና ቀዋሚ ቤተጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝዀነ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኣባላት ፍጻሚ ሽማግለ ስራሕ ፈጻሚ ሽማግለ ከካይዱ ኣይፍቀድን፡ ኣቦ መንበር ግን እንዳ ተዘዋወረ ስርሑ ከማልእ ይኽእል። ንኡሳን ኣካላን ፈጻሚ ሽማግለ ንመሪሕነት ፈጻሚ ሽማግለ ይንጸባርቑ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ዞባታት ብኣቦ መንበርን ምክትልን ጸሓፍን ብምርጻ ይቐውሙ፣ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ኣብ ዞባታት ምምራጽ ሕጋዊ ኣይኰነን። ፈጻሚ ሽማግለ ንስራሕ ቃልሲ ክሕግዙ ብቕዓት ዘለዎም ባእታታት ክምድብ መሰሉ ሕሉው እዩ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብምሉእ ግዜኦም ከግለግሉ ዝኽእሉ ሰባት ጥራይ ይቐውም፣ ኣባላት ባይቶ ግን ምሉእ ግዜኦም ክውፍዩ ግዱታት ኣይኰኑን። እንተዀነ ግን ንኡሳን ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ ልክዕ ከም ፈጻሚ ሽማግለ ንቕርጻ መሪሕነት ክንጸባርቕ ይግባእ፥ እዚ ማለት ድማ ኣባላት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ኣቦ መንበርን ምኽትሉን ክልተ ጸሓፍትን ስለ ዝቐወመ፡ ኣባላት ዞባታት ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ምስ ዝዀኑ ስልጣን ፈጻሚ ሽማግለ ተጨውዩ ማለት እዩ። ንኡሳን ኣካላት ባይቶ ጸብጻቦም ንኣቦ መንበር ባይቶ የቕርቡ፡ ኣቦ መንበር ድማ ጸብጻቡ ናብ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን ኣብ ዓመት ዝሰላሰል ኣኼባ ባይቶን የቕርብ። ፈጻሚ ሽማግለን ባይቶን ዝተፈላለዩ መዝነታት ስለ ዘለዎም ኣብ ሓድሕድ ስርሖም ክተኣታተው ክልኩል እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ስዱስተ ኮሚቲታት ኣለውዎ፡ እዚኣቶም ክሳብ ሕዚ ስርሖም ኣይጀመሩን፤ ኣብ ዞባታትን ሃገራትን ንኡሳን ኮሚታት ክቐውሙ ምተገበአ፡ ኣይኰነን ግን። ብተወሳኺ ኮሚቲታት ዞባታትን ሃገራትን ካብ ህዝቢ ክቐውሙ ይግባእ። ባይቶ ምስ መንግስትታት ክራኸብ መሰል የልብሉን፡ ምስ ሰብኣዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ወጻእተንያታት ርክብ ክጥሪ ግን መሰሉ ሕሉው እዩ። ኣቦ መንበር ንኽኢላታት ኣባላት ባይቶ ብስምምዕ ምስ ኣቦ መንበር ባይቶ ስራሕ ክምዝዝ መሰሉ ሕሉው እዩ። ኣብ ዞባታትን ሃገራትን ስራሕ ኣባላት ባይቶ መምርሒ ፈጻሚት ሽማግለ ንኤርትራውያን ምዝርጋሕን ሰሚናራት ምክያድን ገንዘብ ምውጻእን እዩ። ነዞም ዝተጠቕሱ መኣረምታታት ምስ እንስዕብ ካብ ምትእትታው ስራሕ ሓራ ብምዃን ኣብ ቃልስና ክነተኲር ንኽእል ዝብል እምንቶ ኣሎና።

 

 

 

ውድቀት ንዲክታተራዊ ስርዓት!

ኤዲቶርያል ቦርድ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

www.strategyadi.org

 
Copyright © 2013 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.