Home
ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኤርትራውያን ኣብ በረኻታት ሱዳን የበሳብሱ ኣለዉ PDF Print E-mail
Written by ANP/AFP   
Friday, 20 January 2012 12:52

“ሰባት ኣብ ምስግጋር ዝነጥፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓምጽ፣ ጭውያ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ክሳብ ናይ ሞት ስጉምቲ ይወስድሎም ኣለዉ” ክብል ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግልጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ድሕሪ ምብጻሕ፡ ተወላዶ ራሻይዳ ዝኾኑ ነጋዶ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዓምጽን መጭወይትን ገበናት ይፍጽሙ ኣለዉ፡ ውድብ ሕቡራት

 መንግስታት ፖሊስ ነዚ ገበን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ዘኽእሎ ዓቕሙ ክብ ንምባል ድሮ ክልተ ሚልዮን ዶላር ስሊዑ ኣሎ። “እዞም ኣብ መጭወይቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተራ ዘለዎም ጉጅለታት ከበድቲ ዕጥቂ ዝወነኑ ኮይኖም ኣብ መንጉኦምን ኣብ መንጎ ፖሊስ ናይታ ሃገርን ቀጻሊ ጎነጻት ከምዝካየድ ድማ ፌሊክስ ሮዝ ዝተባህለ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ምስራቕ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት መግለጺ ሂቡ።

 

 

ፌሊክስ ሮዝ ምስ ጋዜጣ ፈረንሳይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ እዚ ጸገማት ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተቐልቀለ ተርእዮ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ በዚ ጭውያ ወርሓዊ ልዕሊ ዕስራ ኤርትራውያን ዜጋታት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ ከምዝኸውን እውን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ ኣሎ።  

ላዕለዋይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስዸተኛታት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገረብ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ኣብ ጭውያ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓለም ለኻዊ መርበብ ጭውያ፡ በዚ ገበናዊ ተግባር ልዑል መኽሰብ ይረኽቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ናብዚ ብስም ሸገረብ ዝፍለጥ መዓስከር ስደተኛታት ወረሓዊ ከባቢ ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቲ ግዱድ ዕስክርና ብምምላጥ ዑቕባ ንክረኽቡ ከምዝመጹ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብዞም ስደተኛታት ከባቢ ሰማንያ ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ ውሑድ ኣዋርሕ ነዚ መዓከር ገዲፎም ዝሓሸ ዕድል ንምርካብ ናብ ካርቱም፣ ግብጺ፣ እስራኤል ከምኡ’ድማ ካልእ ቦታታት ይጉዓዙ።

 

ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ሱዳን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ኣዝዩ ዝትሓጽረ ብምዃኑ፡ ናብ ሱዳን ክኣትዉ፣ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ክንቀሳቕሱ ይኹን ካብ ሱዳን ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰጋገሩ ምስ ዝደልዩ ነዞም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ንክረኽብዎም ከምዝግደዱ እንተኾነ ግን ገለ ካብኣቶም ተጨውዮም ኣብ ማእሰርትታት እዞም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ከመዝእሰሩን ካብ ማእሰርቲ ንኽወጹ ድማ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ከምዝሕተቱ ጸበጻብ ወኪል ስደተኛታተ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

ኣብ መዓስከር ሸገራብ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተዓቑበ ኤርትራዊ ስደተኛ ብወገኑ፡ ኣብዚ መዓስከር ዝኾነ ውሕሰነት ከምዘይብሎም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣስማቶም ክነግሩ ፍቓደኛታተ ዘይኮኑ ሓተቲ ዑቕባ ሓንቲ ጓል ዕስራን ሰለስተን ዓመት ካብ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጣ ድሕሪ ምምጽኣ እዞም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ናብ ግብጺ ከምዘብጽሕዋ፡ እንኾነ ግን ኣብ ግብጺ ምስ በጽሐት ካብ ስድራቤታ ዝያዳ ገንዘብ ሓቲቶም ስድርኣ ኸኣ ነቲ ዝትሓተ ገንዘብ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ማእሰርቲ ቤት ተዳጒና ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሱዳን ከምዝተባረረት፡ ካልኦት ሓተቲ ዑቕባ ድማ ብራሻይዳ ተጨውዮም ምስተኣስሩ፡ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ንኽወጹ ክሳብ ዓሰርተክልተ ሽሕ ዶላር ከምዝሕተቱ፡ ነዚ ምሰዘይማልኦ ግን ኣብ ልዕሊኦም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቓይ ከምዝወርዶም ድማ ንወኪል ሰደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ መግለጺ ኣብሪሆም ኣለዉ።

 

ወኪል ስደተኛታተ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉተረስ ኣብ መግለጺኡ፡ ካብዞም ኣደዳ ስደት ዝኾኑ ዜጋታት ክፍሊ ኣካላቶም (ኦርጋን) ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንምሻጥ በዞም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ከምዝቕተሉ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ። እዞም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ተወላዶ ራሻይዳ ኮይኖም ኣብ ከባቢ ከሰላ ብመጓሰ ኣግማል ዝነብሩ እዮም። ኣብዚ ከባቢ ገንዘብ ንምድላብ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ብኣንጻሩ እዞም ተወላዶ ራሻይዳ ንስዸተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ኣብ ምስገጋር ይኹን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለየ ዓመጻት ብምስዓብ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝድልቡ፡ ነዚ ገበን ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ድማ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ስደተኛታት ተሓባበርቲ ከምዘለዉዎም እዚ በዓለ ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

መንግስቲ ሱዳን ነዞም ዑቕባ ንምርካብ ዝመጹ ዜጋታት ኤርትራ ዋላ ከም ናይ ፖለቲካ ዑቕበኛታት ይቀበሎም፡ ዝኾነ ዳግመ-ምጥያስ ከይተገብረሎም ንዓመታት ኣብዚ መዓስከራት ክነብሩ ከምዝግደዱ ብተወሳኺ ምስ ነበረቲ ሱዳን ይኹን ምስቶም ኣቐዲሞም ዝተሰዱ ብዙሕ ናይ ሓባር ጉዳይ ስለዘይብሎም መነባብርኦም ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከም ዝኾነ እዚ በዓል ስልጣን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

ጸብጻብ ውድቡ ሕቡራት ሃገራት ዝበዝሑ ካብዞም ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ኣመንቲ ክርስትና ኮይኖም ቋንቋ ዓረብ ዘይመልኩ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ቀዳሞት ሓተቲ ዑቕባ ግን ዝበዝሑ ኣመንቲ ምስልምናን ቋነቋ ዓረብ ዝመልኩ ከምዝነበሩ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ መዓስከር ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝገበረ ሓታቲ ዑቕባ፡ ብዛዕባ እዞም ኣብ ቀረባ እዋን ዑቕባ ንምርካብ ናብ ሱዳን ዝመጻና ኤርትራውያን ዜጋታት ዝግደስ ዝኾነ ኣካል የለን ክብል ምስ ጋዜጣ ፈረንሳይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብምረት እቲ ዘለዉዎ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣብሪሁ።

 

ምንጪ ሓበሬታ ANP/AFP   

ትርጉም ብኤዲቶርያል ቦርድ

14 January 2012

 
Copyright © 2013 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.